መራሕቲ ጂቡቲን ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ተመያይጦም

Radio Erena: 21 February 2020

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ስዒድ ዓብዱላሂ ዳኒን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት’ዩ፣ ብሓያሎ ሚኒስተራት ተሰንዩ ብ18 ለካቲት ናብታ ሃገር ኣትዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዝያዳ ዘተኮርሉ ነጥቢ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም ምዃኑ ዝተገልጸ፣ ንጂቡትን ፑንትላንድን ብስሉጥ መርበብ ኢንተርነት ዘራኽብ፣ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ፋይበር (ጭሕጊ) ምዃኑ ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ጋሮወ ኣንፊተን።

ጂቡቲ ዞባ ኣፍሪቃ ኤክስፕረስ 1 ወይ ድማ (DARE1) ዝተሰምየ መርበብ ጭሕጊ ትሕተ ባሕሪ፣ 5400 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ንኬንያ፣ ሶማል፣ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ጂቡቲን ዘራኽብ’ዩ።

እዚ 30 ቴራባይት ኣብ ሰኮንድ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ክህልዎ ምዃኑ ዝተገልጸ መርበብ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይ ዝርከባ ከተማታት ሞምባሳ፣ ሞቓዲሹ፣ ቦሳሶን ጅቡቲን ካብ ዝቐውም ማእከላት፣ ስሉጥ ምስግጋር ሓበሬታ ንምክያድ ከኽእል ትጽቢት ይግበረሉ።

እንተኾነ ጸጥታን ውሕስነቱን ሓደ ካብቲ ዘሻቕል ዛዕባ ምዃኑ ይዝረበሉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0