መራሕቲ እስራኤልን ርዋንዳን፣ ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ተመያይጦም

መራሕቲ እስራኤልን ርዋንዳን፣ ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ተመያይጦም

Radio Erena: 01 October 2018

Isreal Rwanda 2

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመን፣ ኣብ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ጠልጠል ተሪፉ ዘሎ ምምላስ ናይቶም ኣብ እስራኤል ዝርከብ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቶም መራሕቲ፣ ነዚ ዝተዘራረቡ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኑውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 73 ስሩዕ ዋዕላ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብ27 መስከረም ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን’ዮም።

ንሳቶም ነቲ ኣቐዲሞም ተዘራሪቦሉ ዝነበሩ ምኽፋት ኤምባሲታት ክልቲኤን ሃገራትን ምጅማር ቀጥታዊ በረራታት ናይ መጓዓዝያ መንገዲ ኣየር ካብን ናብን ኪግጋልን ቴልኣቪቭ’ውን ተዘራሪቦም።

ንሳቶም ብዘይካ’ዚ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምዝርራቦም፣ መንግስቲ እስራኤል ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ከም ናይ ርዋንዳ ተመሳሳሊ ርክባት ከምዘድልያ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ልዕሊ 35 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስጓጎም ኣብ ስምምዕ በጺሑ ምንባሩ ይግለጽ።

እንተኾነ እንጻር እቲ ስምምዕ ብዝተኻየደ ሰፊሕ ተቓውሞታት፣ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ብድለቶም ካብ እራስራኤል ንዝወጹ እንተዘይኮይኑ ብግዴታ ንዝስጎጉ ከምዘይቕበል ድሕሪ ምርግጋጹ እቲ ስምምዕ ከምዝደስከለ ይዝረበሉ።

እዚ ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ናይ ምስጓግ መደባት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ መንግስቲ እስራኤል፣ ንፍርቆም እቶም ሓተቲ ዑቕባን ክትቕበሎም ፍርቆም ድማ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ካናዳን ክጣየሱ ኣብ ዝብል ነጥቢ ምስ ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ’ውን ብኡ ንብኡ’ዩ ሰሪዝዎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኩነታት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ጠልጠል ይርከብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0