መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ “ኣብ ጉዳይ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ንምምይያጥ” ብዝብል ተራኺቦም

Radio Erena: 03 May 2020

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ “ኣብ ጉዳይ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮረና ቫይረስን” ንምምይያጥ ብዝብል ተራኾቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ናብታ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንበት 3 ግንቦት ድሕሪ ምምራሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ’ዚ ንዞባዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገጢምወን ዘሎ ብድሆታት ከምዝዘተየ’ዩ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ዞባ ኢጋድ፣ ብዛዕባ ኮረና ቫይረስ ንምምይያጥ፣ ብ30 መጋቢት ብቪድዮ ዘካየድዎ ዋዕላ ምብኳሩ ዝዝከር’ዩ።

“ምስ ህዝቢ ኣተሓባባእ ምጽዋት ዝልማዱ” እናተባህለ ዝሕመ እቲ ፕረዚደንት፣ ለበዳ ኮርረና ቫይረስ ካብ ዝተኣወጀሉ ሓንሳብ ጥራይ’ዩ ብመንገዲ ማዕከናት ዜናታቱ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ሓጺር መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ።

ድሕሪ ኮረና ዝህሉ ንጹርን ግሉጽን ዝኾነ ሕውየት ቁጠባን ካልእን መደባትን ንህዝቢ ዘየቕረበ እቲ ፕረዚደንት፣ ብጉልባብ ዘተ ኣብ ጉዳይ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ናብ ኢትዮጵያ ምጋሹ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ሓያሎ ተቓውሞ ይውሕዝ ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0