መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ይዘራረቡ

መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ይዘራረቡ

Radio Erena: 13 January 2015

etEgy

መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ንኽልትኤን ሃገራት ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ናይል ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማይ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ቤት ክስርትያን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወግዓዊ ዑደት፣ ብዘይካ’ቲ ምስ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ዘካይዶ ዘሎ ዝርርብ፣ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር’ውን ክራኸብ ምዃኑ ጋዜጣ ኣልኣሕራም ኣመልኪታ።

 

ግብጽን ብጉዳይ’ቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዲጋ፣ ምስታ ሃገር ኣብ ምስሕሓብ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ምስሕሓብ ንምህድኡ ተደጋጋሚ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

እዚ ዑደት መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ’ውን ኣተኩሮኡ፣ ኣብቲ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ናይ ሽምግልና ተራ ንምሓዝ’ዩ።

ፓርትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፣ ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኢብራህም ማሕላብ ተራኺቦም ክዘራረቡ እንከለዉ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ‘ውን ክራኸቡ ትጽቢት ኣሎ።

ግብጺ፣ ንዓቐን እቲ ብሰንኪ ምህናጽ ዲጋ ዝጎድል ወሓዚ ናይል ብዝምልከት ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻብ ከምዘይትቕበሎ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን’ዩ ዑደት’ቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝካየድ ዘሎ።

መንግስቲ ግብጺ፣ ንዑደት እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ንኽልተ እዋን ከምዝሰረዞ ዝዝከር’ዩ።

=========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0