መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ጉዳይ ዶብ ይሰማምዑ

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ጉዳይ ዶብ ይሰማምዑ

Radio Erena: 08 December 2015

Kenya Ethio

ኢትዮጵያን ኬንያን ዘሰሓሕባን ዘሎ ጉዳይ ዶብ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝዓለም ውዕል ከቲመን።

እዚ ውዕል ዝተኸተመ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለመርያም ደሳለኝ ትማሊ ሰኑይ 7 ታሕሳስ ናብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዘምርሓሉ እዋን’ዩ።

እዚ ውዕል ክኽተም ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለመርያም ደሳለኝ ትማሊ ሰኑይ 7 ታሕሳስ ናብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዘምርሓሉ እዋን’ዩ።

 

ኣብ ዞባ ማርሳቢት፣ ከባቢ ሞያለ ኣብ ዝሓለፍ ክልተ ቅነ ኣብ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ግጭት ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ካብ ኣርባዕተ ኣባልት ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሎ፣ ኬንያ ኣብቲ ቦታ ተወሳኺ ሰራዊት ከተዋፍር ከምዝተገደደት ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ሞያለ፣ ሶሎሎ፣ ፎሮል፣ ዱካናን ኢልረትን ዝርከቦ ሓሙሽተ መስመራት ንግዝኢ ከምዝዓጸወይ ይዝከር።

ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን ክርአ ዝጸንሐ ግጭታት ሰለማዊ መፍትሒ ክግበረሉ፣ ኬንያ ንኢትዮጵያ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ።

እዚ ሕጂ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ርክብ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን፣ ነቲ ነዘን ጎረባብቲ ሃገራት ንሓያሎ ዓመታት ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ክገብረሉ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ሞያለ ዝግበር ስምምዕ፣ ወኪል ሕቡራት ሃገራት’ውን ክርከብ ምዃኑ ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ጠቒሳ።

ኢትዮጵያ ኣቐዲማ’ውን ምስ ሱዳን ንዝነበራ ዶባዊ ምስሕሓብ ሰለማዊ መዕለቢ ክረክብን፣ ዶባት ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ክምልከትን ከምዝተሰማምዐይ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ናይ ዶብ ጉዳይ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ከተርኢ እንከላ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግና ነቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተወሰነ ብይን ንምትግባር ሓንጊዳ’ያ ትርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0