መራሕቲ ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምትእትታው ሃገራት ወሽመጥ ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋን ዘትዮም

መራሕቲ ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምትእትታው ሃገራት ወሽመጥ ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋን ዘትዮም

Radio Erena: 15 November 2017

Qatar Ethio

መራሕቲ ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምትእትታው ሃገራት ወሽመጥ ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋን ዘከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቶም መራሕቲ ነዚ ዝዘተዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብ13 ሕዳር ናብ ከተማ ዶሓ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ድሙቕ ኣቐባብላ ከምዝገበረሉ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና፣ ዝምድና ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብ ኣገንዚበን።

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ከሊፋ ኣልታኒ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

“ቀጠር ንተቓወምቲ ኦጋዴን ትድግፍ’ያ” ብዝብልን ብመንገዲ ማዕከን ዜንኣ ንዝሃበቶ ሸፈነን ብምቅዋም፣ ኢትዮጵያ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ኣብ 2008 ከምዝበተኸት ኣይርሳዕን።

ምስ ቀጠር ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝምድና ተገምጢሉ፣ ቀጠር ንምንቅስቓስ ኣሕዋት ኣስላም ትድግፍ ክብልን ንማዕከን ዜና ኣልዘጂራ ናዕቢ ብምግሁሃር ክወቅስን ይስማዕ ኣሎ።

ኣብ 2008 ምስ ጅቡቲ ንዝተፈጥረ ግጭት ንምፍታሕ ከም ሸምጋሊ ክዋሳእ እምነት ዘንበረሉ እንኮ መንግስቲ፣ ንግስነት ቀጠር ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሪያድ ብምውጋን፣ ኣንጻር’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ክተሓጋገዞ ዝጸንሐ ንግስነት ቀጠር መርገጺ ሒዙ ምህላዉ ይፍለጥ።

ጅቡቲ’ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ብምውሳዳ ቀጠር ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ኣብ ዶብ ኤርትራን ቀጠርን ኣዋፊራቶ ዝጸንሐት ተዓዛቢ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓብ፣ ነቲ ገና ኣብ መዛዘሚ ዘይበጽሐ ምስሕሓብ ኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ዝወሰደቶ ሓላፍነት ከምዘውረደት ኣፍሊጣ።

ቀጠር ብተወሳኺ ምስተን ኣብ ሃገራት ወሽመት ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ዝኾነ ጸግዒ ዘይሓዛ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝምድንኣ ብዝያዳ ከተደልድል ትርአ ኣላ።

ቀጠር ዝምድናኣ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተደልድል ምህላዋ ንመንግስታት ኤርትራን ግብጽን ስኽፍታ ክፈጥረሎም ከምዝኽእል’ዩ ተንተንቲ የረድኡ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብጉዳይ የመን ኣብ ወደብ ዓሰብ ዘቆመቶ ወትሃደራዊ መዓስከርን ምስ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ስግኣት ከምዝፈጠረላ ብወግዒ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0