መራሕቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ዋንነት ብርኪ ወደብ በርበራ ብዝምልከት ይመያየጡ

Radio Erena: 20 January 2022

ፕርዚደንት ሙሰ ቢሒ ዓብዲ ዝመርሖ ላዕለዎይ ወኪል መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ብ18 ጥሪ ናብ ኣዲስ ኣበኣ ኣብ ዝኣተወሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ማዕረ መራሒ ሃገር ድሙቕ ኣቐባብላ ጌርሉ።

ዕላማ ዑደት መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህሉ ናይ ቁጠባ፣ ንግዲን ጸጥታን ምትእስሳር ብዝምልከት ንምምይያጥ ምዃኑ መርበባት ዜና ካብ ርእሰ ከተማ ሃርጌሳ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ሙሰ ቢሒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገብሮ ርክብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 2019 ኣብ ስምምዕ ተበጺሕ ግና ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ፣ ዋንነት ብርኪ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ በርበራ ብዝምልክተ  ከምዝዝትዩ እተን መርበባት ንምንጭታተን ብምጥቃስ ኣቃሊሐን።

ወደብ በርበራ፣ ኣብ ዱባይ ብዝመደበሩ ግዙፍ ኩባንያ DP World ክመሓደር፣ መንግስታት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ድማ ኣብዚ ወደብ ብርክታት ብምውናን መሻርኽቲ ክኾኑ ዝብል ስምምዕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ፣ በቲ ኣብ ግንቦት 2019 ዝኣተወቶ ስምምዕ መሰረት፣ ኣብ ወደብ በርበራ፣ 19% ናይ ብርኪ ዋንነት ክህልዋ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ስምምዕ ዛጊት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለም።

ልዕሊ 90% ኣገልግሎትታት ወደብ፣ ኣብ ጂቡቲ ተሓጺራ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ካልእ ኣማራጺታት ንምንዳይ ናብ ኬንያ፣ ሱዳንን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከተቛምት ጸኒሓ’ያ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ዱባይን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ናይ ወደብ በርበራ ሽርክና፣ ንሉኣላውነት ጥምርቲ ሶማል ዝግህስ’ዩ ብምባል ተቓዊምዎ’ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሲያድ ባረ ኣብ 1991፣ ካብ ሶማል እኳ እንተፈልየት፣ ዛጊት ከም ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረኸበትን።

ይኹን’ምበር ሓያሎ ሃገራት፣ ምስ መንግስቲ ናይታ፣ ብኣህጉራዊ ሕግታት ኣካል ሶማል ምዃና እትጥቀስ፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ዲፕሎማስያውን ቁጠባን ርክባት የካይዳ’የን።

ስእሊ፦ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0