መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ጉዳይ የመን ዘትዮም

Radio Erena:- 14 August 2019

ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ላዕልዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን መሓምድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያንን ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ሳል ማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድን ኣብ ጉዳይ የመን ዘትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብሰኑይ 12 ነሓሰ፣ ኣብ ከተማ መካ፣ ዘተ ዘካየዱ፣ ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉ፣ ካብ መንግስቲ የመን ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት፣ ንከተማ ዓደን ከምዝተቖጻጸሩ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ንዝርከብ መንግስቲ የመን ክትድግፍ እንከላ፣ ሕቡራት ኢማራት ግና ኣብ ዓደን ንዝርከቡ ዕጥቃት ክትድግፍ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፣ እቶም ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ዕጥቓት፣ ንከተማ ዓደን ከምዝተቖጻጸሩ ኣብ ዝተገልጸሉ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፈጸሙ ምውቃሱ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ንነንበይኖም ጉጅለታት ይድግፋ ምህላወን፣ ኣብ የመን ዘለወን ረብሓታት ዝፈላለ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ወደብ ሖይደይዳ ዝቐንዐ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ዝነበረ ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ ብስዑዲ ዓረብ ንምትካእ’ዩ ጻዕርታት ዝካየድ ዘሎ።

ወደብ ሖደይዳ፣ ኣውራ ኣፍደገ ባሕሪ ንቀረባት ሑቲ ምዃና ይጠቐስ።

እንተኾነ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትኹን ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ድጋፍ እናረኸባ’ውን፣ ነታ ወደብ ካብ ሑቲ ንምምዛዕ ዘካየድኦ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ኵናት ፍረ ክረኽባሉ ኣይክኣላን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ካብዚ ብዓቕሚ ሰብን ገዚፍ ባጀትን ውሒጡወን ዝርከብ ኵናት የመን መዋጽኦ ስኢነናሉ ብምህላወን፣ ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0