መራሕቲ ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያይጦም

Radio Erena: 11 May 2021

መራሕቲ ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምይይጥ ኣካይዶም።

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ምስ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢ፣ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ብምርኻብ ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ፣ ኣብ ጉዳያት እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን ዶባዊ ግጭታትን ብዝያዳ ከምዘተኮረ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ገሊጸን።

ኣብቲ ርክብ፣ ሱዳን፣ ጀሚራቶ ንዘላ ህንጸት ሰላምን ምዕባለን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓገዛ ከምእትቕጽል ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ፣ ሱዳን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኩሉ መዳይ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ኣስሚርሉ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ንሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣሰሓሒቡ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ናይ ሽምግልና ተበግሶ እንተወሲዳ መንግስቲ ሱዳን ከምዝቕበሉ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማንን ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ፈሊክስ ትስከዲን፣ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምምይያጥ’ዩ፣ ብ09 ግንቦት ናብ ኣቡዳቢ ኣምሪሑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0