መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ተዘራሪቡ

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 14 July, 2014

isma

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ርክብ፣ ሬክ ማሻር፣ ብመንጎኝነት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳንን ብድሆታቱን ንፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ገሊጽሉ።

ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ነበር ሬክ ማሻር፣ ምስ ፕረዚደት ደቡብ ሱዳን ሳል ቫኪር ማያርዲት፣ ተኽእሎ ፈደራላዊ ምምሕዳርን ምቛም ግዝያዊ መንግስቲን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ግዜ’ዩ ሬክ ማሻር ናብ ጅቡቲ ወግዓዊ ዑደት ዘካየደ።

 

ኣብ ብሬክ ማሻር ዝተመርሐ ጉጅለ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ ኣብ ወደብ ሪቨር ናይታ ሃገር በጺሑ ንጥፈታት እቲ ወደብ’ውን ከምዝተዓዘበ ኣፈኛ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ገሊጹ።

ደቡብ ሱዳን፣ ብኢትዮጵያ ዝሓለፍ ሻምብቆታት ክሳብ ወደብ ሪቨር ናይ ጅቡቲ ብምዝርጋሕ ፣ ነዳዲኣ ብመንገዲ እዚ ናይ ጅቡቲ ወደብ ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ውጥን ከምዘለዋ’ውን እቲ ኣፈኛ ብምኽንያት ዑደት ሬክ ማሻር ኣብ ጅቡቲ ገሊጹ።

ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቕስቓስ ተጸሚዱ ዝርከብ፣ ሬክ ማሻር ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዑደት ብምክያድ ምስ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ዝዝርብ ከምዘካየደ ዝዝከር’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0