መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ንምርኻብ ዝወጠኖ መደብ ኣየተዓወተን

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ንምርኻብ ዝወጠኖ መደብ ኣየተዓወተን

Radio Erena: 23 July, 2014

Macha

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ከካይዶ ዝወጠነ ዝርርብ ከምዝፈሸለ ተገሊጹ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ካምፓላ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ርክብ ክልቲኦም ወገናት፣ ኡጋንዳ ንሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ዝልኣኽቶ ሰራዊት ክትስሕብ ኣብ ዝብል ነጥቢ ከተኩር ምዃኑ’ዩ ክግለጽ ቀንዩ።

ኡጋንዳ ነቲ ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ብወግዒ ሰራዊታ ከምዝልኣኸ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ወትሃደራዊ ምትእትታው ንኩነታት እታ ሃገር ከጋድዶ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ካብ ሓያሎ ሃገራት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ብኢትዮጵያ ዝምራሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር ብኢጋድ ኣብ ስምምዕ ኣብ ዝተብጽሓሉ እዋን ድማ፣ ኡጋንዳ ሰራዊታ ክትስሕብ ትሕተት ኣላ።

ዑደት ሬክ ማሻር ናብ ኡጋንዳ’ውን ቀንዲ ሕመረቱ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘተኮረ እኳ እንተነበረ እቲ መራሕቲ ተቓዋሚ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ክራከብ ብዘይምኽኣሉ ክሰምር ኣይከኣለን።

ሬክ ማሻር፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ዘካይዶ ዘሎ ዘተ ስምምዕ ሰላም፣ ምስ መራሕቲ ኩለን ጎረባብትን ኣብ ደቡብ ሱዳን ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ርክብ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

ኣቐዲሙ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርርብ ዘካየደ ሬክ ማሻር፣ ሕጂ ድማ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንምርኻብ መዲቡ እኳ እንተነበረ ኣይተዓወተን።

ሬክ ማሻር ምስ ኡጋንዳን ካልኦት ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ቀጥታውን ተዘዋዋርን ጽልዋ ምስ ዘለዎም መራሕቲ ካልኦት ሃገራትን ንምዝርራብ ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ንሱ፣ ብዘይካ ምስ ኡጋንዳ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ቀጥታውን ተዛዋዋርን ጽልዋ ምስ ዘለወን ሱዳንን ኤርትራን’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ቀጥታዊ ርክብ ኣየካየደን።

መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ንመራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ብወግዒ ከምዝኾነንዎ ኣይርሳዕን።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0