ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓትን ግጭት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 July 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓትን ግጭት ይካየድ ምህላዉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

በቲ ኤፍራታን ግድምን ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ተመልኪቱ።

እቲ ግጭት፣ ንከተማ ኣጣዩ ኣብ ዝኸበባ ገጠራት፣ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ከምዝተራእዩ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ ተወሊዑ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንዝካየድ ዘሎ ግጭትን ምፍራስ ጸጥታን ሓያሎ ከባቢታት ናይቶ ዞባ ንምርግጋእን ወፊርሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ብሰሜን ሸዋ ድማ ሓድሽ ጎንጺ ከምዝተራእየ ዝስማዕ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሰሜን ሸዋ ይካየድ ከምዘሎ ዝተገልጸ ግጭት ይኹን ኣብ ሰብን ንብረትን ዘውረዶ ዕንወት ብዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሰፊሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ክልል ኣምሓራ እናተንቀሳቐሰ ብሰንኪ ዘካየዶ ዘሎ መጥቃዕትን ስርሒታትን፣ መንግስቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ክእውጅ ተገዲዱ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉምዝን ጋምቤላን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተመሳሳሊ ጸቕጢ ፈጢሮም ይርከቡ።

ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል ጉምዝ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነ ኣሶሳ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ብምትሕልላፍ፣ ሰዓታት እቶ ኣዊጁ ይርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0