መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ኣብ ሓድሽ ካላንደር 2015፣ ኣቡኡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐላ ዕለት ህዝባዊ በዓል ክትከውን ኣዊጁ

መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ኣብ ሓድሽ ካላንደር 2015፣ ኣቡኡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐላ ዕለት ህዝባዊ በዓል ክትከውን ኣዊጁ

Radio Erena: 01 January 2015

NRCal

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ ዓውደ ኣዋርሕ፣ ኣቡኡ ንመራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኢል ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐላ ዕለት 19 ሰነ ህዝባዊ በዓል ኮይና ክትክበር ኣዊጁ።

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ነታ ዕለት ከም ህዝባዊ በዓል ክትከውን ዝኣወጀሉ፣ ንሰሜን ኮርያ ን7 ዓመታት ዝመርሐ ኪም ጆንግ ኢል ኣብ 19 ሰነ 1964 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኪም ኢል ሶንግ ብዝልዓለ ነጥቢ ዝተመረቀን ካብ ኩሎም ዜጋታት እታ ሃገር ዝበለጸን ምሁር ምዃኑ ንምዝካር’ዩ።

 

ዝሓለፈ ሰሙን ከም ስሙ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣስማቶም ክቕይሩ ብወግዒ ዝኣወጀ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፣ ሕጂ ከኣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015፣ ተወሳኺ ህዝባዊ በዓል ኣውጁ ኣሎ።

ኣብ ሰሜን ኮርያ እተን ዝኸበራ ህዝባዊን በዓላት፣ ዕለተ ልደት ናይቲ ንሰሜን ኮርያ ካብ 1948 ክሳብ 1994 ነታ ሃገር ዝመርሐ ኪም ሶንግ ኢልን ወዱ ኪም ጆንግ ኢልን ኮይነን፣ ኣብዘን ኣብ 15 ሚያዝያን 16 ለካቲትን ዝኽበራ ዕለተ ልደታት ናይቶም መራሕቲ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢን ሰራዊትን ሰልፊ ብምክያድ ክጽንብለን’ዩ ዝግደድ።

ካብ ኣባሓጎኡን ኣቡኡን እናተሰጋገረ ዝመጾ ስልጣን ዝተረከበ ወዲ 31 ዓመት መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን’ውን ንዕለተ ልደቱ 8 ጥሪ ኣብታ ሃገር ሳልሰይቲ ዝዓበየት ህዝባዊ በዓል ንምግባር ውጥን ከምዘለዎ’ዩ ዝዝረበሉ።

ካብ 1948 ኣትሒዛ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣቦን ወድን እናተቐባበሉ ዝመርሑዋ ዘለዉ ሰሜን ኮርያ፣ ከም ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት በስማት ናይዞም መራሕትን ደቆም ጥራይ’ዩ ዝጽዋዕ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0