መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ህይወት ኣማኢት ሰባት ዝለከመ ሓድሽ ህንጻ ብምፍራሱ ኣርባዕተ መሃንድሳት ክርሸኑ ኣዘዙ

መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ህይወት ኣማኢት ሰባት ዝለከመ ሓድሽ ህንጻ ብምፍራሱ ኣርባዕተ መሃንድሳት ክርሸኑ ኣዘዙ

Radio Erena: May 29, 2014

kim

ኣብ ሰሜን ኮርያ በዓል 23 ደረቢ ሓድሽ ህንጻ ብምፍራሱ፣ ብውሕዱ ኣርባዕተ መሃንድሳትን ኣካየድቲ ስራሕን ክረሸኑ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ኣዚዙ።

እቲ ኣብዚ ቀረባ ኣገልግሎት ዝጀመረ ሓድሽ ህንጻ ሃንደበት ብምፍራሱ፣ ኣብ ህይወት ከቢድ ክሳራ ከምዘስዓበ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፣ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ድቓስ ኣብይዎ ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ።

 

31 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፣ በቲ ሓደ ኣዝዩ ከምዝተቖጠዐን ብሰንኩ ድማ ድቓስ ስኢኑ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና፣ ኣብ ልዕሊ ነቲ ህንጻ ዝሃንደሱ ክኢላታት ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣተንቢሁ።

ኣብ ጃፓን ዝመደበረን ማዕከን ዜና ኣብ ዘቃልሕኦ ዘለዋ ሓበሬታ ድማ፣ ነቲ ህንጻ ዝሃንደሱ ኣርባዕተ ክኢላታትን ኣካያድቲ ስራሕን ከምዝተረሸኑ ገሊጸን።

እቲ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ስድራቤታት ዝሰፍርኦ ዝነበራ ህንጻ ክስራሕ እንከሎ ዝከታተል ዝነበረ ሓደ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ መኮነን ድማ ንሕልፈት ክእሰር ከምዝተፈርደ ሓቢረን።

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ሓደጋ ናይ ዝሞኡ ብዝሒ ሰባት እኳ እንተዘይሓበረ፣ ማዕከናት ዜና ዓለም ከምዝሕብርኦ ዘለዋ ግና ኣስታት 500 ሞይቶም ኣለው።

መራሒ እታ ሃገር ድማ ብሞት ናይዞም ኣምኢት ሰባት ተሓተቲ እቶም ነቲ ህንጻ ዝሃንደሱ ክኢላታት’ዮም ብምባል ክርሽኖም ከምዝወሰነ ይግለጽ።

በንጻር እዚ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ኣብ ጎረበታ ደቡብ ኮርያ ዝሓለፈ ቅንያት ብዘጋጠመ ናይ መርከብ ሓደጋ ኣስታት 300 ሰባት ብምሟቶም፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ብወለንትኦም ስልጣኖም ከምዝሓደጉ ኣይርሳዕን።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0