መራሒ ሑቲ ናይ የመን ኢዱ ናብ ኤርትራ የወጣውጥ

መራሒ ሑቲ ናይ የመን ኢዱ ናብ ኤርትራ የወጣውጥ

Radio Erena: 04 May 2016

Alh

መራሒ ናይቶም ብኣንሳሩኣላሕ ዝፍለጡ ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ሰይድ ዓብዱልማሊክ ኣል ሑቲ፣ ንኤርትራ ኣጠንቒቑ።

እቲ መራሒ ብቴሌቪዥን ናይቲ ጉጅለ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እስራኤል ምስ ስዑዲ ብምትሕብባር ኣንጻሮም ደብዳብ ተካይድ ከምዘላ’ውን ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ እስራኤል ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ኣብ እተካየዶ ዘላ መጥቃዕቲ፣ ካብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ እናተበገሰት’ያ ብምብላ’ዩ ናብ ኤርትራ ኢዱ ዘወጣውጥ ዘሎ።

 

ስዑዲ ዓረብ ሕነ ናይቲ ኣብ የመን ፈጢራቶ ዘላ ዕንወት ክትፍደ፣ያ ዝበለ እቲ መራሒ፣ ነቲ ኣብ ኩዌት ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም እናተኸታታሉ ኣንጻሮም ንዝፍኖ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምፍሻሉ ድሉዋት ምህላዎም ጠቒሱ።

እስራኤል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ቀዳማይቲ ስግኣት እትጥምታ ሃገር ኢራን ክትከውን እንከላ፣ ንኢራንን ብኢራን ንዝድገፉ ሓይልታትን ንምድምሳስ ምስ ሃገራት ዓረብ ምስጢራዊ ስልታዊ ዝምድና ከምዘለዋ’ዩ ዝንግረ።

እንተኾነ እስራኤል ኣብዚ ናይ የመን ጉዳይ ኢድ ከምዘለዋ ዝሕብር ዝኾነ መርትዖ ካብ ናጻ ኣካል ክርከብ ኣይከኣለን።

ብስዑዲ ዝምርሓ ኣመንቲ ሱና ዝኾና ሃገራት ዓረብ’ውን ንህላዊኤን ቀዳመይቲ ስግኣተን፣ ብእምነት ሺዓ እትምራሕ ኢራን ንሳ እትድግፎም ከም ሑቲ ዝኣመሰሉ ጉጅለታትን ምዃኖም’የን ዝገልጻ።

ብስዑዲ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ሰራዊት ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኤርትራ ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ ይዝከር።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0