መማህራን ዩኒቨርስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ወሰኽ ደሞዝ እንተዘይገይሩሎም ክእድሙ ምዃኖም ኣጠንቂቖም

Radio Erena: 08 August 2022

መማህራን ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ወሰኽ ደሞዝን ምትዕርራይ ደረጃታትን እንተዘይገይሩሎም ክእድሙ ምዃኖም ዝገልጽ መጠንቀቕታ ኣቕሪቦም።

ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝቐረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም መማህራን በብማሕበራቶም ኣቢሎም ኣብ ዘቕረብዎ ዘለው ጥርዓናት፣ እቲ መንግስቲ ንዘቕረብዎ ጠለብ ክሳብ ወርሒ መስከረም ምላሽ እንተዘይሂቡ፣ ብድሕሪኡ ንዝስዕብ ጉዳይ ሓላፍነት ከምዘይወስድሉ ኣፍሊጦም።

ማሕበራት ዩኒቨርስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሓድነት ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ ካልኦት ኣካላት መንግስቲን ኣብ ዝልኣኽዎ ናይ ጠለብን መጠንቀቕታን ደብዳቤ፣ መንግስቲ ነቲ ጠለብ እንተነጺጉ ንዝስዕብ ምስንኻል ንጥፈታት፣ ፈጸምቲ ኣካላት እተን ማሕበራት ተሓተቲ ከምዘይኮኑ’ዮም ኣመልኪቶም።

መማሕራን ዩኒቨርስቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ መነባብርኦም ዘይመጣጠን ደሞዝ ይኽፈሎም ኣሎ ዝበለ ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበራት፣ ዶ/ር ዮውሃን በንቲ፣ ናይ ዲግሪ ማዕረግ ዘለዎም መማህራን ካልኣይ ደረጃ 12,500 ብር ክኽፈሎም እንከሎ፣ መማህራን ዩኒቨርሲቲ ግና 11, 305 ብር ከምዝኽፈሎም ገሊጹ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መማህራን ዩኒቨርስቲ፣ ናይ መነባብሮ ጸቕጢ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሞራል ውድቀት’ውን ዘኸትል ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ’ዩ መንግስቲ፣ ንዘሎ ኣሰራርሓ ብምትዕርራይ፣ ደረጃ መማህራን ዩኒቨርስቲ ከስተኻኽልን ወሰኽ ደሞዝ ክገብረሎምን እቲ ማሕበር ዝጠለብ ዘሎ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ማሕበር ኣስታት 700 ሽሕ ዝግመቱ ኣባላት መማህራን ክህልዉ እንከለው እቶም ኣስታት 40 ሽሕ መማህራን ዩኒቨርስቲ’ዮም።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ወሰኽ ደሞዝ ብቤት ጽሕፈቱ ጥራይ ዘይኮነ ብኮሚሽን ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ዝውሰን ጉዳይ ምዃኑ ‘ዩ መሊሱ።

ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብቅልጡፍ እናንቆልቀለ ስለዝመጸ፣ እታ ሃገር ንገዚፍ ዝቕባበ ባጤራን ተቓሊዓ ትርከብ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0