መመንጨዊ ጸዓት ሕርጊጎ ኣብ ዓመተ 2014 ብሓገዝ ኮርፖሬሽን ሻንጋይ ብ66% ክዓቢ’ዩ ተባሂሉ

መመንጨዊ ጸዓት ሕርጊጎ ኣብ ዓመተ 2014 ብሓገዝ ኮርፖሬሽን ሻንጋይ ብ66% ክዓቢ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: January 1, 2014

hirgigo

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣብ ሕርጊጎ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብ66 % ንምዕባዩ ምስ ምስ ሓደ ናይ ቻይና ኩባንያ ተሰማሚዑ ይሰርሓሉ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ብሓገዝ ቁጠባዊን ቴክኖሎጅን ኮርፖሬሽን ሻንጋይ ማለት (SFECO) ተጀሚሩ ዘሎ ምዕባይ መመንጨዊ ሓይሊ ኤልክትሪክ ሕርጊጎ፣ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ 2014 ተዛዚሙ ንኣግልግሎት ክበቕዕ ትጽቢት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ተታሒዙ ዘሎ መመንጨዊ ጸዓት ናይ ምዕባይ መስርሕ፣ ሕርጊጎ ካብ ዘመንጭዎ ዘሎ 88 ሜጋዋት ናብ 132 ክዓቢ ምዃኑ እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።

 

ሕርጊጎ፣ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኵናት 1998፣ 2000 ነፈርቲ ኵናት ኢትዮጵያ ብዘካየድኦ ደብዳብ ገለ ክፋሊ ዓንዩ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዘለዎ ቅልውላው ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ፋርነስን ነዳዲን ኣብ እዋኑ ክዕደግ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ኤርትራ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ብሓገዝ ቻይና ዝዓቢ ዘሎ መመንጨዊ ጸዓት ሕርጊጎ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ምቑራጽ ኤሌክትሪክ ብመጠኑ ክፈትሖ ተስፋ እኳ እንተሎ፣ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ስእነት ፋርነስን ነዳድን ግና ፍታሕ ክርከበሉ ኣይከኣለን።
================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0