መሓመድ ፋርማጆ፣ ሰነድ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ንሓድሽ ፕረዚደንት ኣረኪቡ

Radio Erena: 23 May 2022

ፕረዚደንት ሶማል ነበር፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ሰነድ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ፕረዚደንት ኮይኑ ንዝተመርጸ፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምዘረከበ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ነዚ ዝገለጸ፣ ስልጣኑ ነቲ ቅድሚ ሸሞንተ መዓልታት፣ 329 መናብር ካብ ዘለዎ ባይቶ፤ ናይ 327 ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ ንዝተዓወት፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብ ዘረከበሉ ዕለት ምዃኑ መርበብ ዜና ጋረወ ኣፍሊጡ።።

ኣብቲ ብሰኑይ 23 ግንቦት ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ ስርዓት፣ ፕረዚደንት ነበር ፋርማጆ፣ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጠና ዝነበሩ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማልን ካልእን ሰነዳትን ንፕረዚደንት ሸኽ ማሕመዱ ከምዘረከቦ ጠቒሱ።

ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ሓላፍነት ድማ በዚ ሓድሽ መንግስቲ ክካየድ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቶም ወትሃደራት ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓዶም ክምለሱ መደብ ከምዝነበረ ዝሓበረ መሓመድ ፋርማጆ፣ ብሰንኪ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ኣረዲኡ።

ካብ 2019 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ’ዩ ዝሕበር።

ኣዴታት ሶማል፣ ‘ሃለዋት ደቅና ኣፍልጡና’ ብምባል ብዘካየድኦ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ፣ እቶም ወትሃደራት ናብ ኤርትራ ንስልጠና ከምዝተላእኩ ክእመን እኳ እንተተገደደ፣ ናብ ኵናት ትግራይ ምእታውዎ ግና ክሒድዎ’ዩ።

ብሰንኪ’ዚ ጉዳይ፣ ድማ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ሑሰን ሮብለን ምስሕሓብን ወጥርን ተፈጢሩ ኔሩ።
=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0