ሕ/ኢ/ዓረብ፣ ኣብ ሶማል ከተካይዶ ዝጸንሐት ኣገልግሎት ሆስፒታል ደው ኣቢላቶ

ሕ/ኢ/ዓረብ፣ ኣብ ሶማል ከተካይዶ ዝጸንሐት ኣገልግሎት ሆስፒታል ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 19 April 2018

 somalia and emarateሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ከተካይዶ ዝጸንሐት ሆስፒታል ካብ ኣገልግሎት ደው ከምዘበለቶ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ “ሸኽ ዛይድ” ዝተሰምየ ሆስፒታል ካብ ኣገልግሎታቱ ደው ከምዝበለ ዝሕበር ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሶማልን ተፈጢሩ ብሰንኪ ዘሎ ምስሕሓብ’ዩ።

እቲ ብምወላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክካየድ ዝጸንሐ ሆስፒታል፣ ብናጻ ኣገልግሎት ክህውብ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ መዓልታዊ ኣስታት 300 ሕሙማት ከአንግድ ምጽንሑ ሰበ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ይጠቕሱ።

 ኣብ ሶማል፣ ሓያሎ ዘመናዊ መወከሲ ሆስፒታላት ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፣ ምዕጻው እቲ ሆስፒታል ንጸገም ኣገልግሎታት ጥዕና ብዝበኣሰ ከጋድድ ምዃኑ ይግለጽ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ብዘጋጠማ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ፣ ንህዝቢ ሶማል ብማሕበራውን ጥዕናውን ኣገልግሎታት ጅሆ ክትሕዞ ምፍታና ብሓያሎ ፖለቲከኛታት ትንቀፍ ኣላ።

እታ ሃገር፣ ንመንግስቲ ሶማል ክትገብሮ ዝጸንሐት ወትሃደራዊ ሓገዛት ቅድሚ ሳልስቲ ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ’ያ።

ኣቐዲመን፣ ኣብ ጉዳይ ቀጠር ብዘለወን ዝተፈላለየ መርገጽን ምስ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣገልግሎታት ወደብ በርበራን ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ሶማልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ካብ 8 ሚያዝያ ኣትሒዙ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ብዝተታሕዘ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዝበኣሰ ወጥሪ ይርከባ።

መንግስቲ ሶማል እቲ ብፍልይቲ ነፋሪት ተላኢኹ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተታሕዘ ገንዘብ ናብ መንን ንምንታይ ዕላማን ከምዝተመደበ ዘይተፈልጠ ዘይሕጋዊ’ዩ ክብሎ እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ ንስልጠና ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ዝተላእከ’ዩ ኢላ’ያ ትምጉት።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን’ውን ተመሳሳሊ ገንዘብ ብምውፋር፣ ሰራዊት መንግስቲ ንሓድሕዱ ከምዝጋጮ ብምግባር ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፈጸመት ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ይወቅስ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሃገራት ቀይሕ ባሕርን እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊን ቁጠባውን ምስፍሕፋሕ፣ ንሃገራት እቲ ዞባ ናብ ዝበኣሰ ምትትፍናን ይሸምም ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ የጠንቕቑ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0