ሕ/መ/ኣ ኣብ ሶማል ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈትሪ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

Radio Erena: 01 December 2019

ኣመሪካ ንጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምጥቃዕ ኣብ ሶማል ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካዪዳ።

እቲ ኣብ ከባቢታት ጂሊብ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፣ ንዘውረዶ ጉድኣት ዛጊት ዝተዋህበ ንጹር ሓበሬታ የለን።

ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ማእከላይ እዚ ስርሒታት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ በቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝወረደ ጉድኣት ገና ይጻረይ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፣ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ግና ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፣ ተቓዋሚ ውድብ ዋዳጂር ናይ ሶማል፣ ንምትእትታው መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ተቓዋሚ ውድብ ኣብ መግለጺኡ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ኣይነእቱን ንዝበሎ ቃል ረሲዑ፣ ንረብሓ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ሶማል፣ ብኣማላድነት ቐጠር፣ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምርኻብ፣ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ሶማል ተንኮላት ኣብ ምእላም ተጸሚዶም ኣለዉ ክብል እቲ ዋዳጂር ዝኸስስ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው ንውጽኢት እቲ ምርጫ ጨውዩዎ ክብሉ ተቓወምቲ ውድባት ሶማል ምኽሳሶም ዝዝከር’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0