ሕ.መ.ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን እገዳ ከምእትገብር ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 27 June 2019

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከካዪዶ ዝጸንሐ ምቕታልን ዓመጽን እንተቐጺሉዎ፣ እገዳ ክትገብረሉ ምዃና መጠንቀቕታ ቀሪቡ።

ምኽትል ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን ሱዳንን ማኪላ ጀምስ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ብቐጥታን ብኢድ ኣዙርን ዘካየዶ ዓመጽ ብቕጽበት ደው ከብል፣ እንተዘይኮይኑ ግና ኣመሪካ ክሳብ እገዳ ዝኸይድ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትግደድ ኣብሪሃ።

እቲ እገዳ ናይ ቪዛን ቁጠባን ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለጸት ማኪላ ጀምስ፣ ዘድሊ መጽናዕቲ ወሲድና ነቲ ዒላማ ክኸውን ዘለዎ ኣካል ንምርካብ ኣበርቲዕና ክንጸርሓሉ ኢና ብምባል ኣስሚራትሉ።

ንሳ ብተወሳኺ እቲ ዝሓሸ ኣብ ሱዳን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ኢሉ ምምሕዳር ዋሺንግተን ዝኣምነሉ፣ ሰላማዊ ዘተ ኣብ መንጎ ለውጢ ዝጽውዕ ዘሎ ህዝብን እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለን ምዃኑ ገሊጻ።

ነቲ ቢትዮጵያ ዝቕEረበ እማመ ድሕሪ ምንኣድ ከኣ፣ ሃገራ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ በይኑ መንግስቲ ከቕውም ዝብል ሓሳብ ከምዘይትድግፍ ኣፍሊጣ።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ እማመ፣ እቲ ዝቐውም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብ7 ሲቪላውያንን 7 ወተሃደራውያንን፣ ሓደ ከኣ ዘይሻራዊ ሲቪላዊ ውልቀሰብ ክኸውን ዝብል እዩ። ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ነቲ እማመ ደገፉ ክገልጽ እንከሎ፣ ወተሃደራዊ ቆንስል ግና ከምዘይተቐበሎ’ዩ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0