ሕብረት ኤውሮጳ ብሰንኪ ብዝሒ ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ

ሕብረት ኤውሮጳ ብሰንኪ ብዝሒ ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ

Radio Erena: 21 April 2015

120Refu

ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ገኒኑ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይቲ 28 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ትማሊ ሰኑይ 20 ሚያዝያ ኣብ ሉክሰምበርግ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዶም።

እቶም ሚኒስተራት ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ ሞትን ብዝምልከት ናይ ሓጺርን ነዊሕን መፍትሒታት ንምንዳይ ዝተኣከብሉ ምኽንያት፣ ድሕሪ’ቲ ናብ ሰንበት ዘውግሐ ለይቲ 700 ስደተኛታት ምጥሓሎም’ዩ።

ካብ 10 ሚያዝያ ኣትሒዙ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሳ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና ልዕሊ 40 ጀላቡ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ተሓጊዘን ናብ ላምፔዱሳን ሲሲልያን ድሕሪ ምእታወን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ሕጹጽ ሓገዝ ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማትዮ ረንዚ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ከሰጋግሩ ጸኒሖም ዝተባህሉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 24 ደላሎን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ክልተ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ጥርጡራት በታ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣስታት 700 ስደተኛታት ሒዛ ዝጠሓለት ጃልባ ተሓተቲ ምዃኖም’ውን ጸብጻባት ካብ ኢጣልያ የመልክቱ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥሞ ዘሎ ሞት ካብ ናይ ዝሕእለፈ ዓመት ብ30 ዕጽፊ ዛይዱ ኣብ ዘለዉ እዋን፣ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብጽዑቕ ይዝትያ ኣለዋ።

ሓይልታት ጸጥተአን’ውን ንደላሎን ዘይሕጋውያን ኣኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ብዕቱብ ኣብ ምህዳን ተዋፊሮም ይርከቡ።
==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0