ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ጸሓያዊ ጸዓት ይተክል

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ጸሓያዊ ጸዓት ይተክል

Radio Erena: 31 July 2018

Areza Mai dima

ሕብረት ኤውሮጳ ከም ኣካል ናይቲ መበል 11 ኤውሮጳዊ ምወላ ንልምዓት፣ ንኤርትራ ዝለገሶ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ፣ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ጸሓያዊ ጸዓት ይተክል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዓረዛን ማይድማን ብዝተኽሎ ዘሎ ጸሓያዊ ጸዓት፣ 40 ሽሕ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ናይ ኤልክትሪክ ኣግልግሎት ክረኽቡ’ዮም።

ካብ 2014 ክሳብ 2020 ንልምዓት ዝተሰልዐ 200 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ፣ እቲ 175 ሚልዮን ኣብ ጸዓት ክውዕል እንከሎ እቲ 25 ሚልዮን ከኣ ምሕደራ ኣብ ምጽፋፍ ዝሕግዝ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን እቲ ሕብረት ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዓንሰባን ደቡብን ጸሓያዊ ጸዓት ናይ ምትካል መደባት ከምዘሰላሰለ ይዝከር።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0