ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ወራር ሩስያ መርገጺኣ ብንጹር ክትገልጽ ጸዊዑ

Radio Erena: 02 March 2022

ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፣ መርገጺኣ ከተነጽር፣ ሕብረት ኤውሮጳ ሓቲቱ።

ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሱዳን ብሰንበት 27 ለካቲት ኣብ ካርቱም ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፣ ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ’ታ ሃገር ክወሃብ ዝጸንሐ ተጋራጫዊ መርገጺ፣ ብንጹር ክግለጸሎም ሓቲቶም።

ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ብዝምልከት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዘካየዶ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ፣ ሱዳን ናይ ተዓቅቦ ድምጺ እያ ሂባ። ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ምስ ኣብ ጀኔቫ ዝርከቡ ወከልቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፣ ሱዳን ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ኮይና ክትቅጽል ትደልይ እንተኾይና፣ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብንጹር ከም እትኹንኖ ከተፍልጥ ኣለዋ ኢሎም።

ብሰኑይ 28 ለካቲት ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝተመርሐ ኣኼባ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘ሱዳን፣ ኣብ ዩክረይን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅዳው፣ ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ኢላያ ትኣምን’ ብምባል ደጊሙ ነቲ ወራር ከምዘይኩንኖ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዝርግሑዎ ዘለዉ ርእይቶታት፣ ‘ሱዳን ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ድምጻ ምዕቃባን፣ ዑደት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ናብ ሩስያን፣ ዘሻቕል እዩ’ ክብሉ ይገልጹ ኣለዉ።

ሱዳን፣ ነቲ ወራር ክትኩንን ሰራዊት ሩስያ ብቕጽበት ካብ ዩክረይን ክወጽእን እንተዘይጸዊዓ፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ተዳናጋጽነት ክረክብ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ከካይዶ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንድሕሪት ከምዝምለስ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ይገልጹ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0