ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተደናጉዩ ዝጸንሐ 200 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ሕ.ኤ ንኤርትራ ሎሚ ተኸቲሙ

ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተደናጉዩ ዝጸንሐ 200 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ሕ.ኤ ንኤርትራ ሎሚ ተኸቲሙ

Radio Erena: 28 January 2016

EU

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝሰልዖ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ኣብ ግብሪ ክውዕል ሎሚ 28 ጥሪ 2016 ኣብ ኣስመራ ተኸቲሙ።

ነቲ ውዕል ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርግሽ ተኽለሚካኤል ብወገን ሕብረት ኢውሮጳ ከኣ ወኪል እቲ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ክርስትያን ማንሃል’ዮም ከቲሞሞ።

መበል 11 ልምዓታዊ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ዝሰልዖ 200 ሚልዮን ኤውሮ ንኸይትግበር ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንሽዱሽተ ወርሒ’ዩ ተደናጉዩ ጸኒሑ።

 

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ምጽራይ ከይተገብረሉ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ገንዘብ ከይልግስ ተቃውሞታት ከስምዑ ከምዝጸንሁ ይፍለጥ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከርኢ ምዃኑ ብዝኣተዎ መብጽዓታት፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ንኤርትራ ዝሰልዖ ብዝሒ ገንዘብ ክህብ ምዃኑ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ብወግዒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ሰልዕዎ ዘሎ ልዕሊ 200 ሚልዮን ኤውሮ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ በቲ ሕብረት ቁጽጽር እናተገብረሉ ኣብ ዝተፈላለየ ልምዓታዊ መደባት ክውዕል’ዩ።

እቲ ሕብረት ንኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምብርካት፣ ነቲ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመጠኑ ክገትኦ ይክእል’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0