ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ሽዱሽተ ሃገራት ንዝተዋጽኡ ወትሃደራዊ መኮንናት ስልጠና ሂቡ

Radio Erena: 28 August 2019

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝተዋጽኡ ወትሃደራዊ መኮንናት ስልጠና ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ዕላማ እቲ ስልጠና፣ ናብ ሶማል ንዝልኣኽ ዓቃብ ሰለማ ሰራዊት ናይቲ ሕብረት፣ ንምሕያል ምዃኑ ተገሊጹ።

እተን ኣብቲ ወትሃደራዊ ልምምድ ሰራዊተን ዘሳተፋ ሃገራት፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ብሩንዲ፣ ሰራልዮንን ዚምባብዌን’የን።

እቲ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝተዋህበ ስልጠና፣ ነቶም መኮንናት፣ ኣብ ዝጽበዮም ተልእኾታት ብብቅዓትን ሞያውነትን፣ ሰራዊት ኣብ ምምራሕን ምውህሃድን ክሕግዞም ምዃኑ እቲ ሕብረት ብ26 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ጠቒሱ።

እቶም ኣብ ከተማ ሞቋድሾ ዝመደበሮም መኮንናት፣ ኣብ ምምራሕን ምውዳብን ተልእኾታት፣ ኣብ ርክብን ምልውዋት ሓበሬታን፣ ኣብ ስለያ ከምኡ ድማ ኣብ ሎጂስቲክስ ክዋፈሩ’ዮም።

ኣብ ሶማል፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ፣ ኣስታት 20 ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ንጸጥታ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ከውሕስ ኣይክኣለን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0