ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ቅልውላው ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ መዚዙ

Radio Erena: 29 August 2021
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ቅልውላው ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ መዚዙ።
ካብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ሕብረት ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ከገልግል ከምዝተመዘዘ ገሊጹ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብታ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ጌሩ ዝተደኮነላ ኢትዮጵያ ብኵናት ሓድሕድ ኣብ እትሕመሰሉ እዋን’ውን እንተኾነ፣ ስቕታ ምምራጹ ብሓያሎ ወገናት ነቐፌታ ክዘንቦ ጸኒሑ’ዩ።
ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት’ቲ ሕብረት፣ ‘ሰላምን ምርግጋእን ኣባል ሃገራት ምውሓስ’ ዝብል ዝርከቦ’ኳ እንተኾነ፣ ምዕራባውያን ሃገራት ድሕሪ ዝወስድኦ ስጉምቲ ምድጋፍ እንተዘይኮኑ፣ ናቱ ተበግሶ ኣይወስድን’ዩ ተባሂሉ’ዩ ዝንቀፍ።
ዞባዊ ግርጭታት ኣብ ምፍታሕ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ዘገልገለ ፕረዚደንት ነበር ኦባሳንጆ፣ ‘ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብምዝርራብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን’ ዝብል ሓድሽ ዕማም እዩ ተዋሂቡዎ ዘሎ።
ኦባሳንጆ ግጭት ዳርፉር ንምፍታሕ፣ ሓደ ካብ መንጎኛታት ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0