ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብሰለስተ ሸምገልቲ ኣካላት ካብ ዝተጀመረ ዘተ ሱዳን ከምዘይስሓበ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 23 June 2022

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ስልጣን ብሒቱ ንዘሎ መሰጋገሪ ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳንን ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንምቕርራብ፡ ብሰለስተ ሸምገልቲ ኣካላት ወይ ትሮይካ ዝተጀመረ ዘተ ከምዘይሰሓበ ኣረዲኡ።

ኣገዲስቲ ንዝኾኑ ተዋሳእቲ ጎሲኻ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ሱዳን ኣይንሳተፍን ማለት፣ ካብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ኢጋድን ብሓባር ዝቖመ ስሉሳዊ መስርሕ ጠቕሊሎም ተኣልዮም ማለት ከምዘይኮነ ኣምባሳደር ናይቲ ሕብረት ኣብ ካርቱም፣ መሓመድ በላይሸ ኣብሪሁ።

እቲ ኣምባሳደር፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሽፋን ኣብ ዝካየዱ፣ ዘይግሉጻትን ቅንዕና ዘይብሎም ዝርርባት ከምዘይሳተፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዘተ ሱዳን ከምዝሰሓበ’ዩ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ክጋዋሕ ጸኒሑ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ምስ ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ብምስምማዕ፣ ሱዳን ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋራ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝርርብ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

መወልቲን መሻርኽትን ሱዳን፣ ነታ ሃገር ዝተመባጽዖኦ ሓገዛትን መሕወዩ ቁጠባ ፊናንስያዊ ድጋፋትን ክህባ እንተኾይነን፣ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ምስቲ ኣቐዲሙ ካብ ስልጣን ዝኣለዩ ሲቪላዊ ወገን ናብ ልዝብ ክመጽእ ከምዘለዎ ‘የን ድፊእት ዝገብራ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ካብ 25 ጥምቅቲ 2021 ኣትሒዙ፣ ነቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ መሻርኽቱ ዝነበረ ሲቪላዊ ወገን ብምእላይ ስልጣን ብሒቱ ይርከብ።

ኣንጻር እዚ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ንኣዋርሕ ኣብ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ኣስታት 100 ሰባት ከምዝተቀትሉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ስእሊ፣- ኣምባሳደር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መሓመድ በላይሸ (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0