ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 154 ኡጋንዳውያን ሰጕጓ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 154 ኡጋንዳውያን ሰጕጓ

Radio Erena: 09 October 2018

deportee ugandansሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 154 ኡጋንዳውያን ናብ ዓዶም ከምዝሰጎጎት ንኤምባሲ እታ ሃገር ካብ ኣቡዳቢ ብምጥቃስ ደይሊ ሞኒተር ገሊጹ።

ገለ ካብ’ቶም ናብ ዓዶም ተጠሪዞም ዘለዉ ኡጋንዳውያን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኮይኖም ካልኦት ከኣ ብዝተፈላለየ ገበናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ’ዩም።

እቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ፣ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ፣ ጽሬት፣ ምምራሕ መካይንን ካልእ ናይ ጉልበት ዕዮታትን ዝተዋፈሩ ልዕሊ 65 ሽሕ ኡጋንዳውያን ክህልዉ እንከለዉ፣ እቶም ኣስታት 30 ሽሕ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከቡ’ዮም።

ኡጋንዳ ካብዞም ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝነብሩ ዜጋታት፣ ዝሓለፈ ዓመት 1.37 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ምርካባ’ዩ ዝግለጽ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0