ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 15 ሜትሪክ ቶን ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ናብ ኢትዮጵያ ልኢኻ

Radio Erena: 16 April 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 15 ሜትሪክ ቶን ዝግመት ናውቲ ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ ከምዝልኣኸት ተገሊጹ።

እቲ ከም ጓንቲ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ካልእ ንሰብ ሞያ ሕክምና ብኮረና ቫይረስ ከይልከፉ ዝሕግዝ ናውቲን ብ14 ሚያዝያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ምስዳዱ ምንጭታት ዜና ካብ ኣቡዳቢ ኣቃሊሐን።

ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝልገስ ናውቲ ሕክምና ከም መነሃርያን መከፋፈሊትን ኮይና’ያ ተገልግል ዘላ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ዝልኣኾ ዝተፈላለየ ሓገዛት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፋፊሉ ዝመጽእ ናውቲ ሕክምና ክቕበሎ ድዩ ክነጽጎ ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኣስመራ ክዓልባ ከምዝቐነያ ዝሓበሩ ምንጭታት ኤረና፣ ካብታ ዓረባዊት ሃገር ዝተላእከ ሓገዝ ክኸውን ከምዝኽእል’ዮም ግምታቶም ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት፣ ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝልኣኾ ተመሳሳሊ ሓገዝ ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምብጋሳ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ክትምለስ ከምዝተገደደት’ዩ ዝንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0