ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ፈላሚ መደበር ኒኩሌር ከፊታ

Radio Erena: 03 August 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሰለማዊ ናይ ጸዓት መዓላ ዘገልግል፣ መደበር ኒኩሌር ምኽፋታ ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፣ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል መኽቱም ብ1 ነሓሰ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ ኣብ ምድረ ዓረብ ናይ መጀመርያ ዝኾነ መደበር ኑክሌር፣ ኣብ ዘካየደቶ መባእታዊ ፈተና ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።

ዕላማ እቲ መደበር፣ ኣብ መጻእ ንሓደ ርብዒ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ብኒኩሌራዊ ጸዓት ንምትካእ ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ወራስ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ብወገኑ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ “ባራካ” ዝተሰምየ መደበር ኒኩሌር፣ ኣህጉራዊ ናይ ድሕነት መለክዒታት ዘማልአ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ብደቡብ ኮርያ ከምዝተዳለወ ዝተሓበረ ንድፊ ምህናጽ መደበር ኑክሌር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ሰለማዊ መዓላ ዝዓለመ ምዃኑ እኳ እንተተገልጸ፣ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ጥርጣረታት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብቲ ዞባ ኣቐዲማ፣ ቴክኖሎጂ ኒኩሌር ዝወነነት እንኮ ሃገር እስራኤል ጥራይ ክትከውን እንከላ፣ ኢራን’ውን ዝጀመረቶ መደባት ምሉእ ብምሉእ ንምዝዛም ከምዝተቓረበት’ያ ትገልጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0