ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንኢትዮጵያ 100 ሚልዮን ዶላር ብመልክዕ ልቃሕ ሂባ

Radio Erena: 27 February 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንኢትዮጵያን ናይ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር  ልቃሕ ስምምዕ ከምዝኸተማ ኣገልግሎት ዜና ኢማራት (ዋም) ሓቢሩ።

እቲ ብስም ‘ከሊፋ ምወላ ንምዕባለ ናይ ወፍሪ ትካላት’ ንኢትዮጵያ ተዋሂቡ ዘሎ ልቃሕ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከባ 37 ሽሕ ንኣሽቱን ማእከሎትን ፕሮጀክታት ክምውልን ንኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ድማ ናይ ስራሕ ዕድልን ክፈጥር ትጽቢት ከምዘሎ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

እቲ ንኢትዮጵያ ብመልክዕ ልቃሕ ዝወሃብ ገንዘብ፣ ብትእዛዝ ወራሲ ዓረታ ኣቡደቡ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናይህያን ዝተወሰነ ምዃኑ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ኢማራት፣ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኣቦ መንበሪ እቲ ናይ ምወላ ትካል ሑሰን ጃስም ኣል ኖወይስን ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሺደን፣ ብ26 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸተምዎ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ ምኽታም ስነ ስርዓርት ብርክት ዝበሉ ወከልቲ ኢማራትን ኢትዮጵያን ከምዝተረኽቡው’ውን ጠቒሱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0