ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ናብ የመን ልኢኻ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ናብ የመን ልኢኻ

Radio Erena: 05 August  2015

UAE Army

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ናብ የመን ልኢኻ።

እቲ ብታንክታትን ከበድቲ ብረትን ዝተዓጀበ ሓደ ብርጌድ ዝበዝሑ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብታ ብስዑዲ ዓረብ ሓራ ዝወጸተ ከተማ ዓደን’ዩ ኣትዩ።

እቲ ብ3 ነሓሰ ናብ ዓደን ዝተዋፈረ ሰራዊት፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብን ሰራዊት መንግስቲ የመንን ተሰሊፉ ንጻር ሑቲ ክዋጋእ ምዃኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ኣረጋጊጾም።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ መጥቃዕቲ ኣንጻር ሑቲ ከምዝሓብራ ብወግዒ ዘረጋገጽኦ እኳ እንተኾነ፣ ናብ የመን ሰራዊታ ዝልኣኸት ሃገራት ግና ድሕሪ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ኮይና ኣላ።

 

ከተማ ዓደን ካብ ሑቲ ሓራ ድሕሪ ምውጽኣ፣ ሓያሎ ኣባላት ናይቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ብነፋሪት ናብ ዓሰብ ድሕሪ ምግዓዞም፣ ብምትሕብባር ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብን ብጀላቡ ናብ ዓደን ከምዝኣተው ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ምስ የመን ብባሕሪ እትዳወብ ኤርትራ፣ ምስ ኢራን ብምዃን ንሑቲ ብምድጋፋ ትውቀስ እኳ እንተነበረት ድሒሩ ድማ ብሰንኪ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ምስቲ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ ሃገራት ዓረብ ትተሓባበር ከምዘላ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዘረድኡ።

ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ሑቲ ካብ ዓደን ክስሕቡ እኳ እንተተገደዱ፣ ከተማ ሰንዓን ወደብ ሖዴይዳን ዝርከቦ ስትራቴጅያዊ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም’ዩ ዝርከብ።

ብእምነት ሱኒ ዝምርሓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ’ውን ሑቲ ካብ ዝበዝሐ ክፋል የመን ተጸሪጉ፣ ብሱኒ ዝምራሕ መንግስቲ ህላዌኡ ክሳብ ዘደላድል ወትሃደራዊ መጥቃዕታተን ክቕጽልኦ ምዃነን’የን ዝገልጻ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0