“ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሉኣላውነት ሶማል ትግህስ ብምህላዋ፣ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና።” ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ሶማል

Radio Erena: 10 June 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሉኣላውነት ሶማል ምግሃስ ትቕጽሎ ስለዘላ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣሕመድ ዒሰ ዓዋድ ኣጠንቂቑ።

እቲ ሚኒስተር ምስ መደበር ቴሌቪዥን ኣልዓረብያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ዱባይ ዝርከብ፣ ኣብ ኣገልግሎታት ወደብ ዝህብ ግዙፍ ኩባንያ DP World ኣቢላ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትላንድ ንጥፈታት ተካይድ ከምዘላ’ዩ ወቒሱ።

እዚ ብዘይኣፍልጦ ፈደራላዊ መንግስቲ ትግበሮ ስለዘላ ድማ፣ ንሉኣላውነት ሶማል ዝጥሕስ’ዩ ክብል ኣነጺሩ።

ብሰንኩ ዝምድና ሶማልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጽቡቕ ከምዘይለየ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ ናብ ንቡር ንኽምለስ እታ ዓረባዊት ሃገር ኣብ ግዝኣታት ሶማል እትገብሮ ዘላ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ደው ከተብል ጸዊዑ።

እንተዘይኮይነ፣ መንግስቲ ሶማል ዓቕሉ ስለዝጸንቀቐ፣ ሉኣላነት ሃገር ንምኽባር ዘድሉ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ሚኒስተር ዓዋድ ኣስሚርሉ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0