ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ኣለዋ

Radio Erena: 26 May 2023

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን፣ ካብ 23 ግንቦት ኣትሒዘን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ‘ሓጺናዊ ሕብረት 19’ ዝተሰምየ ልምምድ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ልምምዳት ኮይኑ፣ ኣብ ኣገዳሲ ስርሒታት ንዝካየድ ብቕዓት ናይ ምዕባይን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ንምድልዳልን ዝዓለም ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ክቕጽል ምዃኑ ዝተሓበረ ሓባራዊ ልምምድ፣ ኣብ መሬት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፣ ኣጋር ሰራዊት፣ ታንክታት፣ ከበድቲ ብረታትን ነፈርቲ ውግእን ዘሳተፍ’ዩ።

እንተኾነ ብዝሒ ካብ ክልቲኦም ወገን ዝተሳተፈ ሓይሊ ኣይተጠቕሰን።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ወትሃደራዊ ዓቕሚ ከም እትውንን እትግለጽ ሕብራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ውን ምስ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ልምምድ ኣካይዳ።

ምስ ቻይና’ውን ጥቡቕ ወትሃደራዊ ምትእስሳር ንምምስራት እትሰርሕ ከምዘላ ዝንገረላ ኢማራት፣ በብእዋኑ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመሳሳሊ ልምምዳት ከምእተካይድ ይፍለጥ።

ዓመታዊ ወትሃደራዊ ባጀት እዛ ዓረባዊት ሃገር፣ ልዕሊ 23 ቢልዮን ዶላር ከምዝግመት፣ ግሎባል ፋይረ ፖወር ዝተባህለ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ዓቕምታት ዝተፈላለያ ሃገራት መጽናዕቲ ዘካይድ መርበብ ይጠቕስ።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0