ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕረይንን፣ ንእስራኤል ብወግዒ ኣፍልጦ ክህባ’የን

Radio Erena: 16 September 2020

እስራኤል፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕረይንን፣ ናይ ቢልዮናት ዶላር ወፍርን ንግዳዊ ልውውጥን ከካይዳ ምዃነን ይግለጽ ኣሎ።

እዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ ምስ እስራኤል ድሕሪ ዝጀመረኦ ርክብ፣ ኣብ ምጽራይ ማይ ባሕሪ፣ ሕርሻን ካልእን ዘድሃበ ናይ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ስምምዕ ንምኽታም ድሮ ባይታ ኣንጺፈን ይርከባ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ፣ ናብ ባሕረይ’ውን ሰጊሩ እኳ እንተሎ፣ ወግዓዊ ኣፍልጦ ንምሃብ መራሕተን ንትማሊ 15 መስከረም ኣብ ዋሽንግተን ክራኸቡ ምዃኖም ኣቐዲሙ’ዩ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ዞባዊ ምትሕግጋዝ እስራኤል፣ ኦፊር ኣኩኒስ፣ ንፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ርክብ እዘን ሰለስተ ሃገራት፣ ብመንገዲ ሰላም ናብ ልምዓትን ብልጽግናን ምስግጋር ምዃኑ ጠቒሱ።

ሃገረ እስራኤል ካብ 1948 ካብ ዝተመስረተትሉ እዋን ኣትሒዘን ን72 ዓመታት ከም ሃገር ክሒደንኣ ዝጸንሓ እዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ወግዓዊ ኣፍሊጦ ክህብኣ ምውሳነን፣ ኣብቲ ዞባ ነጥበ መቕይሮ ምዃኑ ፖለቲከኛታት የረድኡ።

ንእስራኤል ኣብ 1979 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበት ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕረይንን’ውን ተመሳሳሊ ስጊምቲ ምውሳደን ሞጕሳ።

ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣሰር እዘን ሃገራት ስዒባ ንእስራኤል ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህብን ተመሳሳሊ ዝምድና ክትምስርትን ተስፋታት ከምዘሎ ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0