ሕቡራት ኢማራት ኣብ የመን ዘሎ ቁጽሪ ሰራዊታ ከተጉድል ሙኻና ገሊጻ

Radio erena: 11 july 2019

ኣልሑቲ ናይ የመን፣ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ካብ የመን ጠቕሊሎም ክወጹ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ።
ኣልሑቲ ነዚ መተሓሳሰቢ ዘቕርብ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ሕቡራት ኢማራት ቁጽሪ ሰራዊታ ካብታ ብኲናት ሓድሕድን ብናይ ውክልና ኲናትን ተጨናኒቓ ዘላ የመን ከተጉድል ሙኻና ድሕሪ ምሕባራ እዩ።
ሕቡራት ኢማራት ነዚ ውሳኔ’ዚ ተሕልፍ ዘላ ካብ ብሓይሊ ብረት፣ ስልቲ ብምቕያር ሰላማዊ ናይ ዘተ መኣዲ ክትጥቀም ብዝወሰደቶ በይናዊ ስጉምቲ እዩ።
ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሰብ መዚ ሕቡራት ኢማራት ኣብ ዝሃብዎ ሃበሬታ፣ ሃገሮም ሰራዊታ ብከፊል ካብ ደቡባዊ ክፋል ወደብ ዓደንን ምዕራባዊ ገማግምን ከምዝሰሓበት ኣፍሊጦም።
ነዚ ተኸቲሉ፣ ሃላፊ ኣልሑቲ መሓመድ ዓሊ ኣልሑቲ ብሰኑይ 8 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ልዕሊ የመን ኲናት ዘካይድ ዘሎ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ሰራዊቱ ጠቕሊሉ ከውጽእ ናይ መጀመሪያ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ’ዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ደብዳብ ካብ ዝጅምር ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ሃገር ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ኣብጺሑዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0