ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን ብዘካየደቶ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልቃዒዳ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 07 March 2023

እቲ ሓማድ ቢን ሓሙድ ኣል-ታሚሚ ዝተባህለ ሓላፊ ሜድያ ከምዝነበረ ዝንገረሉ ኣባል ኣልቃዒዳ፣ ማሪብ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ እዩ ተቐቲሉ።

ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ጥሪ እውን፣ ሑሰይን ሓድቡል ንዝተባህለ ክኢላ ምስናዕ ቦምብ ዝኾነ ሓላፊ ኣልቃዒዳ የመን፣ ብተመሳሳሊ ደብዳብ ከምዝቐተለቶ ይዝከር።

ወተሃደራውያን ሰበስልጣን የመን ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ሓለፍቲ ኣልቃዒዳ ኣብ ዞባ ማሪብ ብብዝሒ ክንቀሳቐሱ ምርኣይ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት’ታ ሃገር መጥቃዕቲ ይውድቡ ከምዝነበሩ ዘመላኽት እዩ፣ ክብሉ ትዕዝብቶም ገሊጾም።

ብውግእ ሓድሕድ ኣብ እትሕመስ ዘላ የመን፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልቃዒዳ፣ ከም መሰልጠኒን ስርሒታት መሀንደሲን መዓስከር ይጥቀመላ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0