ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ምቕጻሉ፤ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 23 October 2022

ኣርካይቭ ኢንተርነት

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ክቕጽል ብምውሳኑ፤ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ኣፍሊጣ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዓርቢ 21 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ዘተ ሰላም፤ ንሰኑይ 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጅመር ክልቲኦም ወገናት ብምስምሞዖም፤ ሃገሩ ኣብቲ ዘተ ሰላም ልዑል ተስፋ ኣንቢራትሉ ከምዘላ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ኢሉ፤ ድሕነትን ውሕስነትን ህዝቢ ብእዋኑ ክረጋገጽ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታን ውሕስነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፤ ጸብጻብ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ድሕሪ ምስማዕ፤ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፤ ነቲ ዘተ ሰላም ዘለዎም ቅሩብነት ብርኣዮም፤ ምናልባት’ውን ፍረ ክርከቦ ይከኣል ይኸውን’ዩ ኢሉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ ዝነበሮ እቲ ዘተ፤ ‘ብጉድለት ቀረብ’ ብዝብል ዘይንጹር ምኽኒያት ካብ ዝመሓላለፍ ንደሓር፤ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሓ ሰለስተ ከተማታት ብምቁጽጻሩ፤ ኣብቲ ዘተ ሰላም ንምእታው ‘መን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኢድ’ ይሕዝ ዝብል ቀንዲ ምኽኒያት ክኸውን ከምዝኽእል፤ ኣመታት ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕለት 24 ጥቅምቲ ኣብ ዝጅምር ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝሳተፍ ድሕሪ ምግላጹ፤ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዕጹው ዘተ ኣካዪዱ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0