ሕቡራት ሃገራት፣ ምጥያስ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ንግዜኡ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 March 2020

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታትን ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን፣ ምጥያስ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ፣ ካብዚ ሰሙን’ዚ ኣትሒዙ ንግዜኡ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ትካላት፣ ብሰንኪ’ቲ ብደረጃ ዓለም ኣሻቒሉ ዘሎ ቫይረስን ፈጢሩዎ ዘሎ መገሻታት ደው ናይ ምባል ስጉምትን፣ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ምጥያስ ስደተኛታት ደው ከብሎ እኳ እንተተገደደ፣ ንህጹጽ ጉዳያት ንዝገሹ ስደተኛታት ግና ብፍሉይ ክፍቀደሎም ይሓትት ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 64 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘጣየሰ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መገሻታት ደው ዝበለሉ እዋን’ውን ኣማኢት ንምጥያስ ኣብ ምጽባይ ከምዝጸንሐ’ዩ ዘመልክት።

ካብ ሊብያ፣ ግሪኽ፣ ቱርኪን ካልኦት ሃገራትን ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ንኽጣየሱ ኣብ ምጽባይ ዝጸንሑ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ፣ ብሰንኪ እዚ ናይ ኮረና ቫይረስ ስግኣት ደው ምባሉ ዘተሓሳሰቦ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ዶባቱ ክሳብ ዝኸፍት ነዞም ሓተቲ ዑቕባ ንሕሰም ክቃልዑ ምሕዳጉ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ኣስሚርሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0