ሕማም ኤቦላ፣ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከየስፋሕፍሕ ጥንቓቐታት ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

ሕማም ኤቦላ፣ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከየስፋሕፍሕ ጥንቓቐታት ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 18 August, 2014

Ebola

ሕማም ኤቦላ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከየስፋሕፍሕ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ልዑል ጥንቓቐታት ክገብራ ውድብ ጥዕና ዓለም ጸዊዑ።

ብፍላይ ኣብ ኬንያ፣ እቲ ሕማም ከየስፋሕፍሕ ኣዝዩ ተሰጊኡ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ካብታ ሃገር ናብተን ሕማም ኤቦላ ተራእዩለን ዘሎ ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝግበር ናይ መጎዓዝያ መገሻታት ክስረዝ ወሲና ኣላ።

ኢትዮጵያ’ውን ምስፍሕፋሕ ሕማም ኤቦላ ከየጋጥም ካብ ምስጋእ፣ ምልክታት እቲ ሕማም ንዝተራእዮም ሰባት ጥራይ ዝከታተል ሆስፒታል ኣዳልያ ከምዘላ ክትገልጽ እንከላ፣ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክሳብ ምስራዝ ዝበጽሕ ስግኣት ከምዘይብላ ግና ኣፍሊጣ።

 

ኤርትራ ብወገና፣ ንምልክታት እቲ ሕማም ትከታተሎ ከምዘላ ብምጥቃስ፣ ዝኾነ ምልክታት ናይዚ ሕማም ዝተራእዮ ሰብ እንተሎ ብዝቀልጠፈ ናብ ዝቀረቦ ሕክምና ከመልክት ተላብያ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ጊኒ፣ ሰኔጋል፣ ናይጀርያን ላይበርያን ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰብ ቀቲሉ ዝርከብ ሕማም ኤቦላ ብዝበኣሰ ከይላባዕ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

======================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0