ሕማም ሸሮኽ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ሰባት የጥቕዕ ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ንህዝቢ ባረንቱ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝምልከት ስልጠናታት ይህብ

Radio Erena: 26 September 2016

Chol

ሕማም ሸሮኽ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዞባ ጋሽ ባርካ ሰባት የጥቕዕ ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ጨንፈር ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝምልከት ስልጠናታት ንህዝቢ ባረንቱ ሂቡ።

እቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባረንቱ ዝተዋህበ ስልጠና፣ ምስ ርስሓትን ዕቋር ማይን ዝመጽእ ከም ሸሮኽን ዓሶን ዝኣመሰለ ሕማማት ከይክሰት ቅድመ ምድላዋት ምክያድን ናብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ከኣ ከየስፋሕፍሕ ምክልኻሉን ኣብ ዝብል ዘተኮረ’ዩ።

ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዳውብ ከባቢታት ዞባ ጋሽባርካ ሕማም ሸሮኽ ሰባት የጥቕዕ ከምዘሎ ምንጭታት ካብታ ሃገር የመልክቱ እኳ እንትትተለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባዚ ብዝምልከት ዛጊት ሓበሬታ ይኹን መጠንቐቕታ ኣይሃበን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0