ሓድሽ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቝሙ

ሓድሽ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቝሙ

Radio Erena: 04 December 2017

mnangawa

ድሕሪ ምእላይ ሮበርት ሙጋበ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ኤመርሰን ምናንጋዋ ሓደስቲ ኣባካት ካቢነ ሚኒስተራት መዚዙ።

እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቖመ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ምእላይ ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ክልተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ነቲ ሓደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነቲ ካልእ ሚኒስተር ሃብቲ መሬት ክኾኑ ከምዝረቖሖም ካብ ሃራረ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣፍሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ምናንጋዋ፣ ነቶም ብበዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ ተገሊሎም ዝጸንሑ ገዳይም ኣባላት ዛኑ ፒኤፍን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበረን ናብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ክመልሶም እንከሎ፣ ካብ ወገን ተቓወምቲ ግና ኣይጸንበረን።

ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ዚምባብዌ፣ ካብ ተቓወምቲ ወገናት ክሓቑፍ ዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ኣካይዳ መንግስቲ ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት የለን ዝበሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ዚምባብዌ፣ እዚ ብሰራዊት ዝተወስደ ናይ ለውጢ ተበግሶ፣ “ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮ ከይከውን” ስግኣቶም ይግለጹ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ክሳብ ዝካየድ ንሮበርት ሙጋበ ብምትካእ ንክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ኮይኑ ዘሎ ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ብብልሽውና ዝጥርጠሩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ዝዘመትዎ ገንዘብ ይኹን ንብረት ክምለሱ ናይ 3 ኣዋርሕ ዕድል ሂቡ ኣሎ።

ዝተዘምተ ሃብቲ ዚምባብዌ ንምምላስ ነዚ ናይ 3 ኣዋርሕ ዕድል ዘይተጠቕምሉ ናይ ቀረባ መሳርሕቲ ፕረዚደንት ሙጋበ ነበረ፣ ብሕጛዊ መስርሕ ተኸሲሶም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝንገር።

ኣብ ቁጠባዊ ውድቀት እትርከብ ዚምባብዌ፣ ካብዚ ዘላቶ ኩነታት ከውጽኣ፣ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ተስፋ ተነቢርሉ እኳ እንተሎ፣ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ኣብቲ መተካእታ ናይ 37 ዓመታት ፕረዚደንት ሙጋበ ዝኾነ መንግስቲ እምነት ከምዘይብሎም’ዮም ዝዛረቡ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0