ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዓረብን ዝቐንዐ መሸጣ ኣጽዋር ኣደስኪሉ

Radio Erena: 29 January 2021

ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ጆ ባይደን፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝቐንዐ መሸጣ ኣጽዋር ንዘይተወሰነ እዋን ደው ከምዘበሎ ተሓቢሩ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ናብዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ ዝቐንዐ መሸጣ ኣጽዋር ደው ዘበሎ፣ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ትራምፕ ዝሸጦ ቢልዮናት ዝግመት ብዝሒ ኣጽዋር ምጽራይ ንምግባር’ዩ።

እዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ፣ ካብ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ብዝሽምትኦ ዘለዋ ዝተራቐቐ ኣጽዋር፣ ካብ 2015 ኣኣትሒዘን ኣብ የመን፣ ብዘይዕረፍቲ ኵናት ብምክያድ፣ ሰላማዊ ህዝቢ ግዳያት ይገብራ ብምህላወን፣ ናብዘን ሃገራት ዝሸየጥ ኣጽዋር ደው ክብል ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ናይ ምምሕዳር ባይደን ውሳኔ፣ ምስዚ ጻውዒት እዚ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝኽእሉ ዝገልጹ ወገናት እታ ሃገር እኳ እንተለዉ፣ ሓድሽ ምምሕዳር ዋሽንግተን፣ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ናይ ዝሸጦ ኣጻውር ምጽራይ ንምግባር፣ ግዝያዊ ናይ ምድስካል ስጉምቲ ክወስድ ንቡር ተርእዩ’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0