ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል፣ ብኮቪድ 19 ቫይረስ ተለኺፉ

Radio Erena: 28 June 2022

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ብኮቪድ 19 ቫይረስ ተለኺፉ፣ ኣብ ገዛ ተወሺቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብናይ ትዊተር ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፣ ‘ክሳብ ሕጂ ምልክታት ይረኣየኒ የለን፣ እንተኾነ ኣብ ገዛ ተወሺበ ኣገልግሎተይ ንህዝቢ ክቕጽል እየ’ ብምባል፣ ሕማሙ ንከቢድ ሓደጋ ከምዘይህብ ገሊጹ።

ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዓብዲከሪም ዓሊ ካር፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ገይሩ፣ ብዓርቢ 24 ሰነ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣ-ናህያን ምርኻቡ ይግለጽ።

ሶማል፣ 26,700 ብኮቪድ 19 ዝተለኽፉ ሰባት ክትምዝግብ እንከላ፣ 1,361 ከኣ በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ጸብጻባት’ታ ሃገር የመልክቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0