ሓድሽ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን፣ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺርሮም ብዘለዎ ተቓወምቲ ተነጺጉ

ሓድሽ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን፣ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺርሮም ብዘለዎ ተቓወምቲ ተነጺጉ

Radio Erena: 08 October, 2014

PM yemen

ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ሺዓ፣ ብፕረዚደንት የመን ንዝተመዘዘ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ነጺጎም።

ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ንከተማ ሰንዓ ዝተቖጻጸሩ ተቃወምቲ ሺዓን ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓድን ብመንጎኝነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተከተመ ስምምዕ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ንዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስጓግ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመዝዝ ዝብል ነጥቢ ዘጠቓለለ’ዩ።

 

ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ምስ ሓያሎ ፖለቲካውያን ውድባት እታ ሃገር ድሕሪ ምምይያጥ ትማሊ ሰሉስ 7 ጥቕምቲ ንኣሕመድ ዓዋድ ቢን ሙባረክ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እኳ እንተመረጾ፣ ተቓወምቲ ሁቲ ግና ንህዝብን ሉኣላውነት የመን ዘይውክል’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ ኣለዉ።

ወዲ 46 ዓመት ኣሕመድ ዓዋድ ቢን ሙባረክ፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ቅርበት ዘለዎ ኮይኑ፣ ሓንሳእ ደገፍ ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ደሓር ከኣ ተቃውሞ ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ነበረ ዝገጥሞ ዘሎ ብዙሕ ዘይተሞኮረ ፖለቲከኛ የመን’ዩ ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት የመን ነዚ ተቃውሞ ገጢምዎ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል እንተፈቒዱ፣ እቶም ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተቃወምቲ ሁቲ፣ ንዝኸተምዎ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ክጥሕስዮ ምዃኖም’ዮም ዘጠንቕቑ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0