ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት፣ 40 ሚልዮን ዝተተምየነ ሪያል ስዑዲ ንምስግጋር  ኣብ ዝፈተንሉ ከምዝተታሕዙ ፖሊስ ሪያድ ሓቢሩ

ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት፣ 40 ሚልዮን ዝተተምየነ ሪያል ስዑዲ ንምስግጋር ኣብ ዝፈተንሉ ከምዝተታሕዙ ፖሊስ ሪያድ ሓቢሩ

Radio Erena: 06 February 2018

eritrean saudi

ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት፣ 40 ሚልዮን ዝተተምየነ ሪያል ስዑዲ ንምስግጋር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝተታሕዙ ንፖሊስ ሪያድ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣል ዓረብያ ሓቢራ።

ፖሊስ ሪያድ፣ ሓደ ካብቶም ተታሒዞም ዘለዉ ሓሙሽተ ሰባት ኤርትራዊ ምዃኑ ደኣ’ምበር ምሉእ መንነቱ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣይዘርግሐን።

እቲ ሓደ የመናዊ ክኸውን እንከሎ እቶም ሰለስተ ድማ ስዑዳውያን’ዮም።

ነቲ 40 ሚልዮን ሪያል ስዑዲ ዝበጽሕ ናይ ሓሶት ገንዘብ፣ ከም ናይ ኣሰራርሓ ባንክ በብ12 ሽሕ ከፋፊሎም ኣብ ጎማታት ብምጥራዝ፣ ኣብ ሳናዱቕ ዓሺጎሞ እንከለዉ’ዮም ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቪላ ተታሒዞም።

ፖሊስ እታ ከተማ ነቲ ስርሒት ድሕሪ ምፍሻሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝተተምየነ ገንዘብ ናብ ዶላር ንምቕያሩ ውጥን ምንባሩ ኣመልኪቱ።

=========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0