‘ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ፣ ንኽትልዓል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።’

Radio Erena: 18 February 2022

ካብ 2017 ኣትሒዛ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘይዋና ተንሳፍፍ ዘላ መርከብ፣ ዝጸዓነቶ ኣስታት ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ካልእ መርከብ ንምግዓዙ፣ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኮሚሽንበር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት፣ ማርቲን ግሪፍትስ፣ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ፣ ብ15 ለካቲት እኳ እንተረጋገጸ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣይሃበን።

ብዛዕታ እታ መርከብ ብዝምልከት ምስ ሑቲን መንግስቲ የመንን ዝተኻየደ ዘተ፣ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

መንግስቲ የመን፣ እቲ ነዳዲ ናብ ካልእ መርከብ ክግዕዝ ኣብ ዝብል ነጥቢ ክሰማማዕ እንከሎ ሑቲ ድማ፣ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ብሕቡራት ሃገራት ንዝተወስደ ተብግሶ ዘለዎ ደገፍ ምግላጹ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣነጺሩ።

እታ ሞተራታ ደው ኢሉ፣ ን5 ዓመታት ብዘይዋና ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን እተንሳፍፍ ዘላ መርከብ፣ ንክሊ ማያት ኤርትራ እትርከቦ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክይበከለት ክትልዓል ወይ ክትጽገን ንዓመታት ዝተኻየደ ጻዕርታት ኣይተዓወተን።

ሑቲ፣ ኣብ 2015 ንዝበዝሐ ክፋል ገማግም ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፣ እታ ዋንነት መንግስቲ የመን ዝነበረት FSO Safer ዝተባህለት ነዳዲ እትመላልስ መርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩዋ።

እንተኾነ፣ ነዊሕ ከየገልገለት ኣብ 2017፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና፣ ካብ ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተበገሰትሉ፣ ሞተራታ ደው ኢላ ምንቅስቓስ ስኢና፣ ነዳዲ ከተልሑኽ ከምዝጀመረት ተገሊጹ።

ዋንነት እቲ ነዳዲ ዝጠለብ ሑቲ፣ ኣስታት 80 ሚልዮን ዝግመት ዋጋኡ ክምለሰሉ ክሓትት እንከሎ፣ ዝበዝሐ ኣካሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ብወገኑ ተመሳሳሊ ሕቶ ‘ዩ ኣቕሪቡ።

እታ መርከብ እንተተፈንጂራ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ፣ ጂቡቲን፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ገዚፍ ናይ ኣከባቢ ብከላ ከስዕብ ከምዝኽእል ግሪን ፒስ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ኣከባቢ የጠንቅቕ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0