ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተዘኪሩ

መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ትማሊ ሓደ መስከረም ተዘኪሩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ንምጉንጻፍ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ፖለቲካዊ ልቃሲ ኣብ ዕጹው ማዕጹ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ኣብ ሓደ መስከረም 1961 ናብ ብረታዊ ቃልሲ ክሰጋገር ከምእተገደደ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሎሚ መበል 52 ዓመታት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝዝክረሉ ዘሎ እዋን ድማ፣ ገና መብጽዓታት ናይቲ ቃልሲ ናይ መወዳእታ ሸትኡ ከምዘይሃረመ ብምትሕስሳብ’ዩ።

ኤርትራ መሬታዊ ናጽነት ደኣ ትጎናጸፍ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ገና ኣብ ኣርዑት ባርነት’ዩ ተቖሪኑ፣ መሰላቱ ክሕሎ፣ ደሞክራስያዊ ምስግጋር መንግስቲ ብምርጫ ከካይድ ኣይከኣለን ዘሎ።

መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፣ ኤርትራ ብሰንኪ ኣካይዳ መንግስቲ ካብ ዞባናን ዓለምን ተነጺላ፣ ግዳያት እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ኮይና፣ ህዝባ ድማ ብኣሽሓት ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ ትማሊ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻእን ተዘኪሩ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0