ሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ መርበባት ሓበሬታ ኣብ ባህሊ፣ መንነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ዘየለ ውጹእ ሓሶት የናፍሳ

ሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ መርበባት ሓበሬታ ኣብ ባህሊ፣ መንነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ዘየለ ውጹእ ሓሶት የናፍሳ

Radio Erena: 26 January 2016

Stan

ሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ መርበባት ሓበሬታ ሓቕነት ዘይብሉን ኣብ ባህሊ፣ መንነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ዘነውርን ወረታት የናፍሳ ኣለዋ።

ስታንዳርድ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኬንያ ትማሊ 25 ጥሪ 2016 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብሰንኪ ናይ ዓመታት ኵናት ዘጋጠመ ዋሕዲ መንእሰያት ንምትካእ፣ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ተባዕታይ እንተወሓደ ክልተ ደቂንስትዮ ክምርዖ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጽአ ጠቒሳ።

እታ መርበብ ሓበሬታ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝወጸ ሕጊ ኢላ ኣብ ዘጋውሓቶ ናይ ሓሶት ወረ፣ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ዘየተግበረ ከኣ ክሳብ ንሕልፈት ክእሰር ምዃኑ ኣብ ጽሑፋ ኣስፊራ።

 

ብዘይካ ስታንዳርድ ኣዝየን ብዙሓት መርበባት ሓበሬታ ካልኦት ሃገራት’ውን ነዚ ሓሶት’ዚ የጋውሓ ኣለዋ።

ኣቐድመን’ውን መርበባት ሓበሬታ ሆላንድ፣ ኣብ ከተማ ሮተርዳም፣ ብኤርትራውያን ኣብ እትውነን ቤተክርስትያን ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ይፍጸም ከምዘሎን፣ ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ኣስታት 20 ዝኾነ ደቂንስትዮ ኣብ ውሽጢ’ታ ቤተክርስትያን ከምዝተዓመጻን ዝጠነሳ’ውን ከምዘለዋን ዝጠቕስ ሓቕነት ዘይብሉ ወረ ምዝርጋሓ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ምልኪ፣ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ጎሊሑ ዝረአ እኳ እንተኾነት፣ ሓደ ሓደ ማዕከናት ዜና ግና ነዚ ብምግናን ምስ መንነት፣ ባህልን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ዘይከይድ ውጹእ ወረ ከናፍሳ ይርኣያ’የን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0